Sunday , June 16 2024
The Social Democrats will present their plan for this year's elections. Pictured is party secretary Tobias Baudin. Foto: Adam Ihse/TT/ Kod 9200

ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ኣብ 3 ጉዳያት ጥራሕ ከምዘተኩር ተፈሊጡ

ስለፊ ሶሻል ዲሞክራተና፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝግበር ምርጫ ገና ቅድሚ ምብጽሑ፡ ናይ ትኹረት ኣንፈቱ፡ ኣብ 3 ዛዕባታት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚኣቶም ድማ ብዛዕባ ምስባር ኣድልዎን ገበናት ምእላይን፣ ድሕንነት ብዝምልከት ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ሓላፍነት መሊስካ ኣብ ኢድክ ምእታዉን ከምኡ ድማ ናይ ኩነታት ክሊማን ከባቢን ብዝምልከት ንመጻኢ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ክሕግዙ ጌርካ ምቕናይን ዝብሉ ከም ዝኾኑ፡ እቲ ሰልፊ ብዛዕባ ውጥናት ምርጫ ናይ ዓመተ 2022 መብርሂ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ’ሎ።።

 “ንዝመጹ 4 ዓመታት፡ ምርጫ ኣይነካይድን ኢና። እቶም መረጽቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ነገር ክደግሙ ኣይደልዩን’ዮም፡ ብፍላይ እቶም ሰራሕተኛ ዝኾኑ ኣድመጽቲ ምዕባለ ናይ ሽወደን ብዝምልከት ዘለዎም ርእይቶ ኣሉታዊ እዩ። እዚ ካብ ዝኸውን፡ እቶም መረጽቲ ቅዋም ክወስዱሎም ዝኽእሉ ንጹር ዛዕባታት ከነቕርበሎም ነቶም ኣርባዕተ ዓመታት ብዝምልከት እቲ መራጺ ኣባና እምነት ክገብር ኢና ንሓትት” ክብል ፕረስ ሴክሬታሪ ቶቢያስ ባውዲን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ምርጫ እቲ ዋና መወዳድርቲ “እቲ በቶም ሞደራትናን ስቨርያ ዲሞክራተናን ዝምራሕ ጥሩፍ የማናይ ዓቃባዊ ኣካል ናይ መንግስቲ እዩ” ክብሉ ሶሻል ዲሞክራተና ገሊጾም።

እቶም ሶሻል ዲሞክራተና ምስ SD ዝነበሮም ምትሕግጋዝ ገዲፎም ንውድቦም ጥራሕ ወኪሎም ናብ ምርጫ ከም ዝኸዱ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com