Tuesday , June 25 2024
A man is vaccinated against COVID-19 (AP Photo/Tatan Syuflana) XJAK102

ሰሙናዊ ጸብጻብ መልከፍቲ ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,261,439 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  85.0% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም 81.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,919,724 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,176,269 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ኮይኖም፡ ነቶም 9 ሓደስቲ ሰባት ወሲኽካ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ 15,050 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ፡ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com