Sunday , June 16 2024

ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝኾነ ምልክት ዘይብሉም ናይ ኮቪድ-19 ልኽፈት ተራእዩዎም።

ኣብ ናይ ሊንሾፒንግ ዩኒቨርሲቲ 50 ካብቶም ሰራሕተኛታት ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ኮይኖም ተረኺቦም። ገሊኣቶም ምንም ምልክት ሕማም የብሎምን። እቲ ሆስፒታል ገለ ናይ ኮቪድ-19 ሕሙማት ምስ ረኸበ፡ ንኹሉ ሰራሕተኛ ኪምርምር ወሲኑ። ፍርቆም ድማ ተለኺፎም ጸኒሖም፡ ካብዚኣቶም ድማ ካብ 5 ክሳዕ 10 ምልክት ኣይተራእዮምን፡ ወይ ድማ ንእሽቶ ሕማም ርእስን ናይ ኣፍንጫ ጸረርታን ጥራይ ነይሩዎም። ስለዚ ምልክታት ጥራይ ዘይኮነ ክንርኢ ዘሎና፡ ከም ዚከኣለና ማሕበራዊ ምፍንታት ክንገብር ኣሎና፡ ከምኡውን መሰረታዊ ጽሬት ንሓሉ። ንእሽቶ ምልክታት ምስ እንርኢ ክንጥንቀቕ ይግበኣና፥ ይብል ካሪን ታግማርክቪሰል ካብ ክፍሊ ሕዝባዊ ጥዕና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com