Tuesday , June 25 2024
Sudanese Prime Minister Abdalla Hamdok. Archive image from September this year (AP Photo/Marwan Ali) DV102

ሱዳን: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ: ስልጣኑ ሓዲጉ

ኣብ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ዝተኻየደ ገዚፍ ህዝባዊ ተቓውሞ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን: ዓብደላ ሓምዶክ: ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሓምዶክ: ምስቲ ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ሰራዊት እታ ሃገር ዝኣተዎ ስልጣን ናይ ምምቓል ኪዳን: ብህዝቢ: ዓብዪ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ተቓወምቲ “ስልጣን ናብ ህዝቢ ይመለስ” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ኣብ ጎደናታት ወጺኦም እናተቓወሙ ብሰራዊት እታ ሃገር ብዝተገብረ ተዂሲ ክልተ ሰባት ምሟቶም ጸብጻብ BBC የመልክት።

ሓምዶክ ምስ ተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት “እታ ሃገር ኣብ ንህላዌኣ ኣብ ሓደገኛ ኲነታት ዘውድቕ ነጥበ መቐይሮ በጺሓ ምህላዋ” ሓቢሩ’ሎ።

ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ክወርድ ምውሳኑ ሰራዊት እታ ሃገር ምሉእ ቊጽጽር ክህልዎ ዝገብር እዩ። በዚ ድማ ሱዳን ድሕሪ ምውዳቕ ዲክታቶር ሓሰን ዑመር ኣልበሽር: ናብ ዴሞክራሲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምስግጋር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com