Sunday , June 16 2024
FC Barcelona ex-player Samuel Eto´o (AP Photo/Manu Fernandez)

ሳሙኤል ኤቶ፣ ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ካሜሮን ንክኸውን ተሓጽዩ

ካሜሩናዊ ኣህጒራዊ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ፡ ሳሚኤል ኤቶ፡ ናይ ሃገሩ ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ንክኸውን ከም እተሓጽየ ተገሊጹ።

ኮኾብ ተጻዋታይ ባርሴሎናን ኢንተርሚላንን ዝነበረ፡ ኤቶ፡ ንስለ ሃገሩን ጸወታ ኲዕሶ እግሪን ብዘለዎ ፍቕሪ፡ ነዚ መዝነት ይወዳደር ምህላዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ’ሎ። “ግዜ ይውንጨፍ ኣሎ፥ ምጽባይ ኣይከዋጽኣናን እዩ። ኲዕሶ እግሪ ሃገርና እንሃንጸሉ ግዜ ሕጂ እዩ” ክብል፡ ኤቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

ውጽኢት ምርጫ ፕረዚደንት እዚ ፈደሬሽን፡ 11 ታሕሳስ ክግለጽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ሃገረ ካሜሩን፡ ኣብ 9 ጥሪ፡ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ክብሰር ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

40 ዝዕድሜኡ ኤቶ፡ ኣብ ስፔይንን ጣልያንን ብርክት ዝበለ ሽልማታት ዝዓተረ ኣንጸባራቒ ኮኾብ ተጻዋታይ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com