Sunday , September 24 2023

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ምኽንያት ዕግርግር

ሰልፊ ሞደራተርና ንስልጣን ኢሉ ምስ ስቨርየ ደሞክራተርና ብምትሕብባር ኣብ ብዙሕ ኮሙናት ነቲ ናይ ሰልፉ መምርሒ ይጥሕሶ ኣሎ።I

መራሒቲ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ርእይቶ ኪህብ ኣይደለየን፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ጉናር ስትረመር፡ ኣቦመንበር ሰልፊ፡ መልሲ ሂቡ። ኣብ ሶልቨስቦርይ፡ ሞደራተርና ናይ ባዕሎም መምርሒ ከም ዝገሃሱ ድማ ገሊጹ። ግን እቲ ምስ ስቨርየ ደሞክራተርና እተገብረ ምትሕብባር ዞባዊ ጥራይ ከም ዝኾነ ድማ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እዚ ኣንጻር ቅዋም ኣይኮነን፡ ስለዚ እዞም ከምዚ ዝገበሩ ኪቕጽዑ ኣይግባእን ብምባል ድማ ደምዲሙ።
ዞባውያን ሞደራትርና ባዕለን ኢየን ዚውስና፡ ግን ነቲ መምርሒ ዘይምኽታለን ጸገም እዩ።

ናይ ስኮነ ሞደራትርና ኣቦመንበር ላሽ ኢንግቫር ዩንግማን ነቲ ኣንጻር ምትሕብባር ዚሕብር መምርሒ ኪድርበ ይደልዮ። ይኹንምበር፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ድማ ምንም ምትሕብባር ኪህሉ የብሉን ይብል።

ናይ በክሊንገ ሞደራተርና የፐ ዮንሶን ኣብ መንጎ ሞደራተርናን ስቨርየ ደሞክራተርና ኣብ ሶልቨስቦርይ እተራእየ ምትሕብባር ኣብ ገዛእ ርእሱ ምንም ጽልዋ ከም ዘይገበረ ይሕብር። ምስ ዝኾነ ሰልፊ ምትሕብባር ነውሪ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ሕጂውን ተሓባቢርና ኢና፡ እቲ ቁምነገር፡ ነቲ ናይ ሰልፍና መትከልን ርእይቶን፡ ዓወት ንምሃብ እዩ፡ ይብል የፐ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com