ገለ ካብ ሸቶታት ክሊማ ሽወደን–ማለት ምጒዳል ፈነወ ካርቦን–ኣብ ጋና ክትግበር ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት “ውዕል ፓሪስ ዓንቀጽ 6” ሃገራት ዘለወን መጠን ፈነወ ካርቦን ምልውዋጥ ይኽእላ እየን። ሽወደን ን ፕሮጀንት ምጒዳል ፈነወ ካርቦን ሃገረ ጋና ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብምግባራ፡ ኣብ ሰነድ ሽወደን ምጒዳል ፈነወ ካርቦን ከም ዝገበረት ተጌሩ ከም ዝሕሰበላ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ።