Sunday , June 4 2023

ሽቕለት ኣልቦነት ምስ ጒዳይ ምውህሃድ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ መንግስቲ ገሊጹ።

ሽቕለት ኣልቦነት (ብፍላይ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ሽቕለት ኣልቦነት)፡ ምስ ጒዳይ ምውህሃድ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ሚኒስተር ሽቕለትን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን ገሊጹ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝተወልዱ ሰባት ናብ ስራሕ ንምእታው፡ ከም ትምህርቲ፡ ስልጠና ቋንቋን ናይ ስራሕ ተመኲሮን ዝመሰሉ ብዙሓት ረቛሒታት ብሓደ ክጥመሩ ከም ዘድሊ፡ ብሓፈሻ ን ዓበይቲ ሰባት ስልጠና ሞያ ንምሃብ ክሳብ 270 ሚልዮን ክሮና ወፍሪ ክግበር ምዃኑን ፐርሾን ትማል ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com