Saturday , December 2 2023

ሽወደን፡ ሕጽረት ፔኒሲሊን እናተጋደደ ይመጽእ።

ኣብ ሽወደን ሕጽረት ፔኒሲሊን ከምኡ’ውን ቀረብ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዓይነት ጸረ-ተሃዋስያን
(ኣንቲባዮቲክስ) ካብ ዕዳጋ ይሰኣን ምህላዉ ተፈሊጡ። ፌኖክሲ-ሜቲልፔኒሲሊን፡ ብፔኒሲሊን ቪ ዝፍለጥ፡ ብሽወደንኛ ድማ
ካቨፐኒን፡ ንብዙሓት ዓይነታት ረኽሲ ባክተርያ ንምፍዋስ ዝውዕል ኮይኑ፡ ወቕቲ ጉንፋዕ እናቐረበ ምስ ከደ ድማ ዝያዳ ክጥለብ እዩ
ዝብል ትጽቢት ይግበር።
“እዚ ሕጽረት ኣብ ዝሓለፈ ዊንተር ምስ ምግዳድ ሕማማት ምስትንፋስ እዩ ክረአ ጀሚሩ። ተተካኢ መድሃኒት ኮነ ኣፍራዪ ምርካብ
ንባዕሉ ግዜ ዝሓትት እዩ” ክብል ካብ ኤጀንሲ መድሃኒት ሽወደን ዮሃን ኣንደርሾን፡ እቲ ኩነታት እንተወሓደ ንዝመጽእ ኣዋርሕ
ብድሆ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ።

 

Credit Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com