Tuesday , June 25 2024
Few people are treated for COVID on IVA in Sweden, at least in comparison to other European countries. Foto: Björn Larsson Rosvall / TT kod 9200

ሽወደን፡ ብኮሮና-ቫይረስ ብዝተሓተ ደረጃ ካብ ዝተጸልዋ ሃገራት ኤውሮጳ እያ

ኣብዚ ግዜ’ዚ ሽወደን፣ ሓንቲ ካብተን ብዝተሓተ ደረጃ ንመልከፍቲ ኮቪድ -19 ዝተቓልዓ ሃገራት ኤውሮጳ ‘ያ ክብል ኣፍቶን ብላደት፣ ንጆን ሆፕኪንስ ዩንቨርሲቲ ኣብ ኣዋር ዎርልድ ኢን ዳታ ዝብል ድሕረ ገጽ ዘውጸኦ ጸብጻብ ብምጥቓስ ጺሒፉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 5 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ህሉው ኩነታት ሽወደን፣ ብመሰረት መጠነ ሞት ካብ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ክረአ እንከሎ፣ ካብተን ኣብቲ ስታቲስቲክስ ተገሊጸን ዘለዋ 46 ሃገራት፡ ኣብ መበል 40 ተርታ ተቀሚጣ ትርከብ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፣ ብመጠን ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ክዕቐን ከሎ፣ ሽወደን ማዓልታዊ ብገምጋም 0.4 ሓድሽ ሞት ነይርዋ፣። ዝለዓለ ቑጽሪ ዝነበራ ሃገረ ሃንጋሪ ኮይና፣ ብገምጋም 18.6 ሓድሽ ሞት ከምዝነበራ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጸብጻብ፣ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ጽዑቅ ሕክምናዊ ክንክን ዝተገብሮሎም ሓደሽቲ ሰባት፣ ካብ 22 ክሳብ 28 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተመዝገቡ ኮይኖም፣ ናይ 13 ሃገራት ጸብጻብ ከም ዝቐረበ፣ ሽወደን ድማ ኣብ መበል 12 ደረጃ ተሰሪዓ ከም ዘላ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ጸብጻብ ዝወጽኣሉ እዋን ኣብ ሓደ ግዜ፣ ቑጽሪ ዝተለክፉ ሰባት እንክርአ፣ ሽወደን ብ 187 ሉኩፋት ብመጠን ብዝሒ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ብምንጽጻር፣ ኣብ መበል 39 ተርታ ተሰሪዓ። ኣንዶራ ዝለዓለ ቑጽሪ ዝተለክፋ ሰባት ክህልውዋ እንከለው፡ እቲ ሰንጠረጅ ብምንጽጻር እንክረአ 2,397 ይበጽሕ። ይኹን እምበር፣ ሃገራት ዝገብረኦ መርመራን ሸፈነን ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሕዳር፣ ንብርክት ዝበሉ ሰሙናት ናይ መርመራ መስርሕ ዝቐነሰሉ ዘእተወ ውን ምዃኑ ተገሊጹ።

ብመሰረት ቑጽሪ ሉኩፋት ኣብ ሽወደን፣ በዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን፣ ሕጂ ኣብታ ሃገር፣ 13 ግዳያት ተረጋጊጾም ኣለው።  ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ሰባት ገይሾም ዝነበሩ ኮይኖም፣ ናብ ሽወደን ኣብ ዝተመልስሉ በቲ ዓሌት ኦሚክሮን ከም ዝተለክፉ ተረጋጊጹ። ብመሰረት ህዝባዊ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፣ እቶም ካልኦት ሓሙሽተ፣ ምስ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝተለክፉ ግዳያት ጥቡቅ ዝምድና ከምዝነበሮም ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com