Friday , December 1 2023

ሽወደን፡ ንፈለማ እዋን ሕማም ረስኒ ሓሰማ ኣፍሪቃ ተረኺቡ።

ሃገራዊ ትካል ሕክምና እንስሳታት ሽወደን፡ ኣብ ፋገርስታ፡ ቫስትማንላንድ-ካውንቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ሓሰማ በረኻ፡ ኣፍሪቃዊ
ሕማም ረስኒ ሓሰማ ተለኺፉ ምንባሩ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ 7 ዝሞቱ ሓሰማታት በረኻ ከም እተረኽቡን
ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ሳምፕላት ክትንትን ምዃኑ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ረስኒ ኣፍሪቃዊ ሓሰማ ንደቂ ሰባት ዘይጎድእ ኮይኑ
ንሓሰማታት በረኻን ግን ይቐትል እዩ። ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ሰርብያ፡ ቦዝንያን ክሮኤሽያን ዝተራእየ ለበዳ፡ ኣብኡ ዘለዉ ሓረስቶት
ኣሽሓት እንስሳታት ክቕዘፉ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

 

Credit: Michael Probst/AP/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com