Friday , June 14 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ሽወደን፥ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ንፖሊሲ ​​ጸዓት ይነቅፍ

ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት (Riksrevisionen) ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፥ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዘለዉ ፖለቲከኛታት
ንፖሊሲ ጸዓት ሽወደን ብጌጋ ምሓዞም ዝገልጽ ቁጥዐ ዝመልኦ ጸብጻብ ኣዳልዩ። ሓያሎ ዓበይቲ ውሳነታት ናይ ሓጺር ግዜ ሽግር
ንምፍታሕ ዝተወስዱ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ብደቂቕ ዝተሓስበሎምን ከምዘይነበሩን፡ ዝያዳ ረቛሒታት ኣብ ግምት ውሳነታት
ኣትዮም እንተዝነብሩ ቅልውላው ጸዓት ኤለትሪክ ናይ ዝሓለፈ ክቃለል ይኽእል ምንባሩን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
”ገለ ካብቲ ዝረኣናዮ ሳዕቤናት ምምዕርራይ ምተኻእለ ነይሩ” ይብል ነቲ ኦዲት ናብ ኣገልግልት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝለኣኸ ዮሃንስ
ኦስተርስትሮም።

 

Credit: Johan Nilsson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com