Friday , July 12 2024

ሽወደን ናብ ቱርክ ዝኸይድ ኣጽዋር ደው ከተብል ድሌት ኣለዋ ተባሂሉ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ቱርኪ ሰሜን ሶርያ ምጥቅዓን እዚ ድማ ዳግማይ ኲናት ምስዋሩን ብምምልካት ሃገራት ንቱርኪ ዝገብርኦ መሸጣ ኣጽዋር ከቋርጻ ሽወደን ከም እትደሊ ተገሊጹ። እዚ ዝገለጸት ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት እታ ሃገር ኣን ሊንድ ኮይና ዝመጽእ ሰኑይ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ምስ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘረባ ከም እትገብር ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘይካዚ ሽወደን ንሶርያ ዝያዳ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብር ትደሊ ምዃና ገሊጻ’ላ። ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሕሰም ምህላዎም ድማ ኣመልኪታ’ላ። በቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኲናት ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ምስዳዶም ኣዝዮም ዝበዝሑ ንስእነት መግቢን ማይን ከም እተቓልዑ ዝጠቐሰ ፒተር ኤሪክሰን ሽወደን ተወሳኺ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ንሶርያ ብመልክዕ ሓገዝ ክትረድኣ ከም እትደሊ’ውን ገሊጻ’ላ። ሪስክድግ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ሰኑይ መዓልቲ ክውስን ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com