ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽገ 26 ዜጋታት ዒራቕ፥ ሎሚ ንግሆ ብቻርተርድ ነፋሪት ብሓይሊ ናብ ባቕዳድ ከምዝተሰጎጉ
ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሽወደን ድሕሪ 11 ዓመታት ግዱድ ምስጓግ ዒራቓውያን ክትፍጽም ሕጂ ፋልማያ እዩ። ዒራቕ
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ብወለንታኦም ክጥረዙ እንተዘይተሰማሚዖም ክትቅበሎም ከም ዘይትደሊ
ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።