Friday , July 12 2024
Credit: Mikaela Landeström/TT

ሽወደን ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዝጸንሐ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከተትርሮ እያ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዙርያ ቪዛታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘውጽኦ ሕግታት ምስ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ብምንጽጻር ክንድቲ ዝግባእ ተሪር ኣይኮንን ተባሂሉ። በዚ ድማ ሚኒስተሪ ኢሚግሬሽን ሽወደን ረቛሒታት ጽገናን ካልእ ኩነታት ቪዛን ብኸመይ ክተርር ከም ዝኽእል መርመራ የዳሉ ኣሎ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ጉዳያት ምጥርናፍ ስድራቤት መርመራ ዲኤንኤ ምጥቃም ዝሕውስ ጽንዕ ዝበለ መርመራ ክተኣታቶ እዩ። ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሽወደን ማርያ ማልመ ስቴነርጋድ፡ ገለ ካብቲ ናይ ጽገና ረቛሒ ነጻ ዝኾኑ ባእታታት ከይተተንከፉ ክቕጽሉ ምዃኖም፥ እንተኾነ ግና እዚ ኣገባብ ሽወደን ንልዑል ብቕዓት ዘለዎም ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ክትስሕብ ንዘለዋ ወፍሪ ብኣሉታ ዝጸሉ ክኸውን የብሉን ክትብል ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com