ሽወደን ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ ክሳብ 2025 ዝጸንሕ ቊጠባዊ ምንቊልቋል ከጋጥማ ምዃኑ ተገሊጹ። ሃገራዊ ትካል ቊጠባዊ መጽናዕቲ (KI) ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ቊጠባዊ ትንበያ፡ ህሉው ኲነታት ን ድራቤታትን ቢዝነሳትን ሽወደን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዘውድቕ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
“ኣብዚ እዋን ዘሎ ቊጠባዊ ኲነታት ጽንክር ዝበለ እዩ። ስድራቤታት ብሰንኪ ልዑል ዝቕባበን ወለድን ቊጠባዊ ሃስያ ወሪድወን ኣሎ” ክብል ሓላፊ ትንበያ ሃገራዊ ትካል ቊጠባዊ መጽናዕቲታት ይልቫ ሀደን ወስተርዳል ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።