Sunday , June 16 2024

ሽወደን ዝነውሓ መካይን ናብ ጎደና ክኣትዋ ትፈቅድ።

Credit: Jessica Gow

ሽወደን ኣብ ጽርግያታታ ዝፍቀድ ዝለዓለ ንውሓት መካይን መጓዓዝያ ካብቲ ሕጂ ዘሎ 25.25 ሜትሮ ናብ 34.5 ሜትሮ ክውስኽ ጌራ። ሽወደን ነዚ ብምፍቃዳ በዚ መዳይ ነታ ኣብ ኤውሮጳ ዝነውሓ ተሽከርከርቲ ዘለዋ ፊንላንድ ተጸንቢራታ’ላ ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን (ትራፊክ ቨርከት)፡ እዘን ሓድሽ 34.5 ሜትር ቁመት ዘለወን ሱፐር ትራክስ፡ ንኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ሽወደን ጥራይ ዘይኮነ ንሽወደን ብሓፈሻ ከም ዝጠቕማ ይገልጽ። “ኣብ ሽወደን ተወዳዳሪ ኢንዳስትሪ ክህልወና ንደሊ ኢና፡፡ መጓዓዝያ ብዋጋ ዝሓሰረ ክኸውን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንኣከባቢ ዝሰማማዕ ምግባር ጽቡቕ ነገር’ዩ” ክብል ቶማስ ኣስፕ ካብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ካልእ ኣብዚ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝተራእዩ ጒዳያት ሓደ ምድላው ሕብስቲ እዩ። ወርሒ ታሕሳስ ንኣዳለውቲ ሕብስቲ ሽወደን ጽዑቕ ናይ ስራሕ ግዜ እያ። ኣብ ሽወደን ብጫ ዝሕብሩ ባኒ ሳፍሮንን ሉሰቡላር ኣዝዮም ፍቱዋት እዮም። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ናብ ዝርከብ ተዓዋቲ እንዳ ሕብስቲ ብምኻድ ሙቕት ናይቲ ንጥፈት ክትፍትሽ ከምኡ’ውን ኣብ ገዛኻ ሕብስቲ ልደት ብኸመይ ተዳሉ ንዝብል ሕቶታት መልሲ ክትረክብ ፈቲና ኔራ። “ኣብ ክንዲ ብዙሕ ዓይነት ሕብስቲ ከተዳሉ ምፍታን ፈለማ ንሓደ ዓይነት ሕብስቲ ደጋጊምካ ምልምማድን ምስራሕን እቲ ዝሓሸ እዩ” ክብል ዊሊ ኤሪክሰን ኣካያዲ እቲ እንዳ ሕብስቲ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com