ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዩክሬይን ድሕነት ኑክሌርን ጨረርታን ንምውሓስ፡ ሽወደን እተገብሮ ሓገዛት ኣብ ዓመተ 2023 ካብ 15 ሚልዮን ናብ 25 ሚልዮን ክሮና፡ ክብ ክብል ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ገንዘብ መጠን ጨረርታ ንምዕቃን፡ ከምኡ’ውን ንምክልኻሉ ዘኽእሉ መሳርሒታትን ትምህርቲን ኣብ ምስፋሕ ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
በዓልመዚ ምክልኻል ጨረርታ፡ ካብ 2005 ኣትሒዙ ነዚ ንምትግባር ምስ ሰብመዚ ዩክሬይን ብምትሕብባር ክሰርሕ ምጽንሑ፥ እንተኾነ ግና ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣባላቱ ናብታ ሃገር ክልእኽ ዘይምኽኣሉ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።