Tuesday , July 16 2024

ሽውደን ናብ ቱርኪ ትገብሮ ዝነበረት ሰደድ ኣጽዋር ንግዚኡ ደው ከተብል ምውሳና ትገልጽ።

ንሰደድ ስትራቴጂያዊ ውጽኢታት ዝከታተል በዓልመዚ መንግስቲ ኲሉ ናብ ቱርኪ ዝግበር ዝነበረ ሰደድ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ናውቲ ደው ከብል ምውሳኑ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን TT ኣብ ዝዘርግሖ ህጹጽ ዜና ሓቢሩ። ኣፈኛ እዚ በዓልመዚ መንግስቲ ካርል ዮሃን ንTT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክልተ ንቱርኪ ሰደድ ኣጽዋር ዝገብራ ዝነበራ ትካላት ሽወደን ሰደደን ደው ከብላ ተጌሩ’ሎ። ዮሃን ስም እዘን ትካላት ካብ ምርቋሕ ተቘጢቡ’ሎ።

ሽወደን ካብ ሚያዝያ 2017 ንደሓር ንቱርኪ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሰደድ ትገብር ኣይነበረትን ክብል እውን ወሲኹ ጠቒሱ። ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ሽወደን ኤምር ዩንት ሽወደን በቲ ቱርክ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ኣመልኪታ ዝሓዘቶ መርገጺ ምሕዛኑ ጠቒሱ’ሎ። “ቱርኪ እገዳ ኣጽዋር ክጸዓነላ ኣብ ዝብል ጠለብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ኣብ ቅድሚት ምስርዓ የሕዝነና እዩ” ክብል ብሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።፡ ንሱ”ንሕና ካብ ሽወደን እንሽምቶ ወተሃደራዊ መሳለጥያ የብልናን። ካልእ እንሽምተላ ሃገር ምርካብ ከኣ ኣይክንጽገምን ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com