Tuesday , June 25 2024
Former U.S. Police Officer Derek Chauvin during his trial in Minneapolis in June.(Court TV via AP, Pool, File) CER501

ቀታሊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ንዝፈጸሞ ወንጀል ናይ እምነት ቃሉ ሂቡ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሚኒያፖሊስ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ተኸሲሱ ዝጸንሐ፡ ደሪክ ሾቪን፡ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ፡ ንፌደራላዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ፍሎይድ ብምግሃስ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ናይ እምነት ቃሉ ሂቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
 ሾቪን፡ ንፍሎይድ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከውዕሎ ኸሎ ብብርኩ ብምጽቃጥ ህይወቱ ንኽሓልፍ ዝገበሮ ወንጀል ከምዝኾነ ዝኣምን ዘሎ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ፍሎይድ ከምዚ ኢሉ ናይ እምነት ቃሉ ምሃቡ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክግበር ዝግብኦ ዝነበረ ከይዲ ናይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ክድሕን ይገብሮ ኣሎ ማለት እዩ። ይኹን እምበር እቲ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ክሲ፡ ሾቪን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዝኣክል ማእሰርቲ ክፍረዶ ተኽእሎታት ኣሎ።
 እቲ ዘርኡ ጻዕዳ ዝኾነ ሾቪን፡ ንቕትለት እቲ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብዝምልከት ኣብ ዝተጋበአ ቤት ፍርዲ፡ ን22.5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኣሎ። እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ይግባይ ተሓቲቱሉ ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
 እዚ ብቪድዮ ዝተቐድሐን ብሰፊሑ ዝተጋወሐን ቅትለት፡ ነቲ ፖሊስ ዝጥቀመሉ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ሓይሊ ኣመልኪቱ፡ ዓለምለኻዊ ተቓውሞ ከም ዘስዓበ ዝዝከር እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com