Sunday , June 4 2023

ቀይሕ መስቀል፡ “ሰብኣዊ ኲነታት ዩክሬይን ዓብዪን ዝተሓላለኸን እዩ”

ኣብ ክፋላት ዩክሬይን ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ኣዝዩ ዓብዪ እዩ ክብል ዳይረክተር ስርሒታት ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ማርቲን ሹዌፕ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ዩክሬይን ዝገበሮ ጻንሒት ዛዚሙ ምስ ሰብ መዚ ሽወድን ንምርኻብ ናብ ሽወድን ተመሊሱ’ሎ። ኣብ ዩክሬይን ዳግመ ህንጸት ንምስላጥ ናይ ህንጻ ጥረ ነገራት፡ ጀነሬተራት፡ ባተሪን ማልን ብቐዳምነት ዝጥለቡ እዮም ክብል ሽዌፕ ኣመልኪቱ።

ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዩክሬይን ስርሒታት ንምክያድ 443 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ዝኸውን ገንዘብ ኣዋህሊሉ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com