Breaking News
Education Minister Anna Ekström (S) holds a press conference on a council recommendation with proposals that will give the Swedish Schools Inspectorate increased opportunities to close schools with serious deficiencies. Foto Henrik Montgomery / TT kod 10060

ቀይዲ በተኽ ዝኮና ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ እየን

መንግስቲ ንምክትታል ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ዝሓሸ ዕድል ብምሃብ: ከቢድ ጒድለት ንዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ: ክዓጹ ይደሊ ምህላዉ: ትማሊ ሓሙስ ቆንስላዊ ለበዋ ምቕራቡ: ሚኒስተር ትምህርቲ: ኣና ኤክስትሮም: ገሊጻ።
እዚ ቆንስላዊ እማመ: ካብ ሰነድ ናይ ዝሓላፈ ጽድያ ዝመንጨወ ኮይኑ: ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ሕጊታት ክተርርን ቀይዲ በተኽ ኣካየድቲ ክዕገቱን ዝገብር እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ብመሰረት እዚ እማመ: ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ክዕጸዋ ይኽእላ እየን። ክሳብ ግቡእ ስራሕ ዝቕጽላ ተኸታታሊ ኣብያተ ትምህርቲ: ሓላፍነት ክወስድ ምዃኑ እውን ተገሊጹ።
ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘርኣያ ኣብያተ ትምህርቲ ግና ክዕጸዋ እየን።
እዚ እማመ ዝሓለፈ ጽድያ እንክቐርብ ብዙሕ ጥርጣረታት ምንባሩን ኣብ ክንዲ ምዕጻው ኣራሚ ስጒምቲ ምውሳድ ዶ ኣይሓይሽን ዝብል ሓሳብ በቲ ምክትታል ቀሪቡ ምንባሩ እውን ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣና ኤክስትሮም: ብዛዕባ እዚ እማመ: ጋዜጣዊ መግለጺ ክትህብ እያ።
Seen by Nasrovich JE at 5:57 AM