Tuesday , July 16 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሉቨን ኣብ ዓወት መራሒ ብሪጣንያ ጆንሶን ዘለዎ ርእይቶ ገሊጹ።

መዘናኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ድሕሪ ኣብ ምርጫ ምዕዋቱ ሉፈን ነቲ ” ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክንወጽእ ኢና” ዝብል መደረኡ ኣመልኪቱ ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ። ንሱ” ብሪጣንያ ካብዚ ሕብረት ትወጽእ ምህላዋ ዘሕዝነና እኳ እንተኾነ ከነኽብሮ እዩ ዝግባኣና” ክብል ድማ ድሕሪቲ ኣብ ብራስለስ ዝተገብረ ምዝዛም ኣውሮጳዊ ዋዕላ ገሊጹ። ንሱ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጒዳይ ናይ መጻኢ ርክባት ንምውሳን ዓሰርተው ሓደ ኣዋርሕ ከም ዘለዎ ብምምልካት ካብ ለካቲት ጀሚሩ ሓድሽ ምዕራፍ ምውጻእ ብሪጣንያ ክሳለጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዘይካዚ ሉፈን ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ ዘምጽኦ ውጽኢት ከም ዘሕዘኖ ብምግላጽ ” ከም ኣባል ማሕበራዊ ዴሞክራሲ መጠን ብዙሕ እዩ ኣሕዚኑኒ” ኢሉ። በዚ ኣብ ብሪጣንያ ዝተገብረ ምርጫ ዓቃባዊ ሰልፊ ምሉእ ድምጺ ብምርካብ ምዕዋቱን ካብ ሃውስ ኦቭ ኮመንስ 361 መናብር ምርካቡን እዚ ኣብ 30 ዓመት፡ዝተመዝገበ ፍሉይ ዓወት የማናይ ክንፊ እዩ ተባሂሉ ።፡ ሰልፊ ዕዮ 203 መናብር ምርካቡን እዚ ድማ ካብ 1930ታት ኣትሒዙ እቲ ዝዓበየ ስዕረት ኣጋጢምዎ ምህላዉን ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com