Tuesday , June 25 2024

ቀዳማይ ሚንስተር ሉፈን ምስ ዝሕታለ ሰልፉ ዝተላዕለ ተፈታውነቱ ለጠቕ ምባሉ ተገሊጹ።፡

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሉፈን ዝውክላ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ደቡባዉ ኣውራጃ ስኮነ ብዙሓት ደገፍቲ ምኽሳሩ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ገለ ኣድመጽቲ ቅድሚ ምርጫ ሉፈን ብኻልእ ኣባል ክትካእ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። “ኣባላት ሰልፊ ንፈለማ ግዜ እዮም ብቓልዕ ንሉፈን ብኸምዚ ኣገባብ ክነቕፍዎ ዝረኣዩ ዘለዉ” ክትብል ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኤስታድ ሙኒሲፓል ካውንስል ሰሲልያ ማግኑሰን ስፍራድ ነታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ኣብ ሉፈን ዝነበሮም ደገፍ ዘንቈልቈለሉ ምኽንያት እንክገልጹ ድማ ነቲ ንሱ ምስ ስምምዕ ጥሪ ስዒቡ ዝገለጾ ፍሽለታት ይጠቕሱ። ንሱ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ውጽኢት ከምጽእ ትጽቢት ተጌርሉ ምንባሩ ብምልዓል ድማ ይወቕስዎ። ካላኦት ኣባላት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ግና ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ንፖከቲካ ሰልፊ እምበር ንውልቀ መሪሕነት ክኸውን ኣይግባእን ብምባል ቅሬታኦም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com