“ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምዃንና ከነሳልጦ እንደሊ ቀዳማይ ዕማም ውሕስነት ኣውሮጳ ምርግጋጽን ኣብ ጎድኒ ዩክሬይን ደው ንምባልን እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሸወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ትማል ረቡዕ ንባይቶ እታ ሃገር ገሊጹ። ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ዝግበር ሓምላይ ምስግጋር እቲ ካልእ ናይ ቀዳምነት ዛዕባ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ሽወደን ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2023 ፕረሲደንትነት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትሕዝን ምዃና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።