Friday , December 1 2023

ቀጻሊ ምጒዳል ዋጋ ክሮነር ሽወደን ኣብ ጽድያ ክኽሰት እዩ ይበሃል ኣሎ።

ክሮነር ሽወደን ምስ ዩሮን ዶላርን እንክወዳደር ብቐጻሊ ዋጋኡ እናንቈልቈለ ምምጽኡን እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝቕጽል ምዃኑን SEB ተነብዩ’ሎ።

ዋጋ ክሮነር ምጒዳሉ ኣብ ጽፍሒ ትካላት ዋኒንን ስድራቤታዊ ትሕዝቶን ፋይናንሳዊ ክሳራ ምስዓቡ ይግለጽ ኣሎ።

ንወጻኢ ዝጐዓዙ ሰባት ብብዙሕ ክሮነር ውሑድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ይረኽቡ ምህላዎምን በዚ ተርእዮ ከም እተጸልዉን ድማ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ክሮነር ብመንጽር ዋጋ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ብፍላይ ድማ ዩሮን ዶላርን) እንክረአ ክጐድል ምጽንሑን ኣብዚ ጽድያ ድማ ብሰንኪ “ወቕቲ ምምቕራሕ ጽድያ” እዚ ምጒዳል ክቕጽል እዩ ዝብል ትንበያ ምህላዉን ተሓቢሩ።

ብሰሉስ ንግሆ ዋጋ ሓደ ዶላር 9.24 ክሮነር ዋጋ ሓደ ዩሮ ኸኣ 10.45 ኮይኑ ምውዓሉ ተመዝጊቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com