Monday , February 26 2024
Credit Pixabay mataqdarululum

ቁርኣን ዘቃጸለ–ሳልዋን ሞሚካ– ትማሊ ሰኑይ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቁርኣን ዘቃጸለ ሳልዋን ሞሚካ ትማሊ ሰኑይ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸሞ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ። እዚ ተግባር
ኣብ መንጎ ሸወደንን ሃገራት ኣስላምን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክሕርፍፍ፥ ብእኡ ኣቢሉ’ውን ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ክዓቢ
ምግባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ሞሚካ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ከተማ ሶደርታልየ፡ ጓንት መኸተ ጒስጢ ብዝለበሰ
ሰብኣይ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እቲ ፍጻመ ብፊልም ተቐሪጹ ኣብ ኣፕ ቲክቶክ ተዘርጊሑ’ሎ።
“ንዓ ንጻወት” ክብል ነቲ ሰብኣይ ብዓረብኛ ከም ዝሓተቶን ፡ ሞሚካ ናብቲ ሰብኣይ ቅድሚ ምኻዱ ነብሱ ንምክልኻል ካርቶን
ከም እተጠቕመን እቲ ጽሑፍ ይገልጽ። ፖሊስ ስም እቶም ሰባት ብምጥቃስ ርእይቶ ክህቡ እኳ እንተዘይደለዩ ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ
ሶደርታልየ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ጥርዓን ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጾም። ክሳብ ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ዝኾነ ሰብ
ኣብ ቀይዲ ኣይኣተወን።
ኣፈኛ ፖሊስ ፐር ፋህልስትሮም ንኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ክርክር ተላዒሉ፡ ሓደ ሰብ ድማ ገለ
ጒስጢ ክወርዶ ተራእዩ" ኢሉ። ሞሚካ ዝተባህለ ዒራቓዊ ስደተኛን ደጋፊ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዲሞክራትናን ቁርኣን ዘቃጸለሉ
ተቓውሞኡ ብምክያዱ ብገበን ምጽሕታር ጽልኢ ይምርመር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኣፍደገ ዓብዪ መስጊድ ስቶክሆልም
ከምኡ’ውን ኤምባሲታት ኢራንን ዒራቕን ቁርኣን ብምቅጻሉን ብምርኽሱን፡ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣስላም ቁጥዐ ምልዕዓሉ
ዝፍለጥ እዩ።
ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሃገራዊ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ "ዝለዓለ" ናብ "ልዑል" ንምዕባይ
ካብ ዝወሰነሎም ምኽንያታት ሓደ ምቅጻል ቁርኣን ዘስዓቦ ተሪር ግብረ መልሲ እዩ።

 

 

Credit Pixabay
mataqdarululum

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com