Wednesday , March 22 2023

ቆልዑ ሽወደን ብቪድዮ ጌይም ናብ ጥሩፍ ኣተሓሳስባታት ከይዝዝዉ ዝከላኸል ፕሮጀክት ተነዲፉ።

ፈደሬሽን ቪድዮ-ጌይም ሽወደን–“ስቨሮክ’፡ ቆልዑን ኮተቴን ሽወደን ብምኽንያት ቪድዮ ጌይም ናብ ጥሩፍ ኣተሓሳስባታት ከይዛዝዉ ብምባል፡ ናይ ሓደ ሚልዮን ክሮና ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ መንጎ ዓሌትነትን ብቪድዮ ጌይም ኣቢሉ ዝሰፍሕ ጥሩፍነትን ምትእስሳር ከም ዘሎ፡ ዋና ጸሓፊት “ስቨሮክ” ሳራ ሃውግ ኣመልኪታ’ላ።

እዚ ኣብ ዓመተ 2023 ዝጅምር ፕሮጀክት፡ ብ ማእከል ምክልኻል ጎነጻዊ ጥሩፍነት ሽወደን ዝምወል እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com