Thursday , February 9 2023

ቊጽሪ ምሕንባስ ዝኽእሉ ተመሃሮ እናወሓደ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ቊጽሪ ናይቶም ምሕንባስ ዝኽእሉ ተመሃሮ ሻድሻይ ዓመት፡ ምስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ዝነበረ እንክወዳደር ዝወሓደ እዩ ክብል ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

“ትምህርቲ ክንደይ ዝኣክል ነጥቢ ኣምጺእካ ብዝብል ጥራይ ክውሰን ኣይግባእን። ኣብዛ ብማይ ተኸቢባ እትርከብ ሽወደን ኢና ንነብር፡ ኩሉ ሰብ ምሕንባስ ክመልኽ ይግብኦ እዩ” ክብል መምህር መባኣታ ገማል ማሕሙድ ገሊጹ’ሎ።

ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ ዓሰርተ ኣብያተ ትምህርቲ እቶም ሸውዓተ ተመሃሮ ናብ ሳልሳይ ዓመት ቅድሚ ምስግጋሮም ናይ ምሕንባስ ክላስ ከም ዝህብዎም ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ዘዳለዎ ጸብጻብ የመልክት።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com