Sunday , June 16 2024
Amir Khan arrives at the ESPY Awards at Microsoft Theater (Photo by Willy Sanjuan/Invision/AP)

በረራ ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ: ኣሚር ኻን: ተሰሪዙ

ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ ኣሚር ኻን ንማስክ ኣመልኪቱ ብዝተላዕለ ኣምባጓሮ: ንኣመሪካ ዝነበሮ በረራ ከም እተሰረዘ ተገሊጹ።

34 ዝዕድሜኡ ኣሚር ኻን: ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኣመሪካ: ንበረራ እናተዳለወ: ሓደ ካልእ ተሳፋራይ ማስክኻ ብግቡእ ተኸደኖ ኢሉ ከም እተኸራኸሮን ፖሊስ ንእኡን ንኻልእ ተሳፋራይን ካብታ ነፋሪት ከም ዝወጹ ምግባሮምን ሓቢሩ። እቲ መንገዲ ኣየር ብወገኑ: ካብ Newyork ን Dallas-Fort Worth ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ በራራ ክልተ ተሳፈርቲ ንሕጊ ነፋሪት ምእዛዝ ብምእባዮም ጒዕዞኦም ሰሪዙ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ምግባሩ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ጒዳይ ፖሊስ ኢዶም ኣእትዮም ንዝብል ክሲ ሓሶት እዩ ክብል ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

ኣፈኛ እቲ መንገዲ ኣየር “ንዝምድና ዓማዊል ዝርኢ ኮሚተና ምስ ሚስተር ኻን ብምርኻብ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ንምፍላጥን ድሕነት ዓማዊልናን ኣብረርቲን ብኸመይ ዝያዳ ከም ዝውሕስን ንምዝታይ ከተዘራርቦ እያ” ኢሉ’ሎ።

ሚስተር ኻን ብወገኑ ኣብ ኣመሪካ ብዘጋጠሞ ሕማቕ እንግዶት ኣዝዩ ከም እተቐየመ ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com