Friday , June 14 2024

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝተበየነሎም ሓተቲ ዕቑባ ክልቀቑ ወሲኑ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን 15 ናብብ ዓዶም ክስጐጒ ተበዪንሎም ዝነበሩ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ማእከላት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክልቀቕይ ምግባሩ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ምስጓጒ ኣገባብ ብመሰረት ውሳነ ቤትፍርዲ ስደተኛታት ክልተ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ማእከላት መሐየሪ ክልቀቑ ዘሕለፎ ውሳነ ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ።

እቲ ውሳነ ብመሰረት መትከልት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተዋህበ ኰይኑ ሓተትቲ ዕቚባ ክሕየሩ ዘይፈቅድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዘን ክልተ ፍርዳዊ ጒዳያት እቲ ምሕያር ብሕጋዊ ውሳነ ዝተስገደደ ዘይምዃኑ፥ እንተኾነ ግና እቲ ጒዳዩ ዝተነጽገ ሓታቲ ዕቚባ ሃዲሙ ናብ ካልእ ሃገር ኣውሮጳ ክኸይድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት እንተሎ ሰብመዚ ሽወደን ክሕይርዎ ስልጣን ከም ዘለዎም ይፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com