Breaking News
The cryptocurrency bitcoin lifts ahead of the IPO of a so-called ETF fund that will trade in cryptocurrency futures contracts. (AP Photo/Kin Cheung, File)

ቢትኮይን: ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ይድይብ 

ቢትኮይን ዝተባህለ ሓድሽ ኣገባብ ባጤራ (ክሪፕቶካረንሲ): ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ መጠን ይድይብ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዎልስትሪት EFT ዝተባህለ ማዕከን ቅድሚ ምምጽኡ ብምዃኑ ናብ ቢትኮይን ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ደሪኹ ኣሎ።

በዚ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዋጋ ቢይኮይን ብ 40% ሓፍ ምባሉን እዚ ብምቕጻል ዋጋኡ ንነንፍሲብወከፍ ቢትኮይን 63000 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ዘሎ ተገዳስነት ክዓቢ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታኣ ETF ብሰሉስ ካብ በዓልመዚ ኣገባብ ፋይናንሳዊ ጒዳያት ኣመሪካ ስርሑ ክጅምር ፍቓድ ምርካቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ማዕከን ETF: ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ብቐጥታ ወፍሪ ከም ዘይገብር ኣብ መጻኢ ግና ኣብ ቺካጎ ስቶክ ኤክስቼንጅ ውዕል ክገብር ከም ዝኽእል ተመልኪቱ’ሎ።