Sunday , September 24 2023

ባርዕ ኖርሾፒንግ ብዝረሰነ ቻርጀር ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት፡ እቲ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኖርሾፒንግ ንሓደ መንበሪ ኣባይቲ ዘዕነወ ፍንጀራ፡ ብኤሌክትሪክ
እትሰርሕ ስኩተር እናተቸረጀት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ መጠን ንላዕሊ ብምውዓያ ከምዝተፈጥረ ገሊጹ። ማርቲን ዊጊሊየስ ኣብ
ሊንሾፒንግ ኣብ ዝርከብ ትካል ህጹጽ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ነቲ ሓደጋታት ንምንካይ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዘለዉ ይዛረብ።
ሰባት እናቸረጁ ከይድቅሱ፥ ነቲ ዝችርጅዎ ነገር እናርእዩ ክገብርዎ ፥ ከምኡ’ውን እቲ ዝችርጅሉ ቦት ምስዝቃጸል መውጽኢ
ዘይህወዎም እንድሕር ኮይኑ ካብቲ ተግባር ክቚጠቡ ዊግሊየስ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

 

Credit: Jessica Gredin/Sveriges Radio, Janerik Henriksson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com