Thursday , May 30 2024
ALAMY

ባኪንሃም ፓላስ ሬሳ መስፍን ኣለማየሁ ክመልስ ዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ።

ባኪንሃም ፓላስ ነቲ ሬሳ ኢትዮጵያዊ መስፍን ኣለማየሁ ክምለስ ዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ። ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን ኣብ ግንቢ
ዊንድሶር ዝተቐበረ መስፍን ኣለማየሁ፡ ወዲ 7 ዓመት እናሃለወ እዩ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ። ኣብ ጒዕዞ ኣዲኡ ብምሟታ ዝዘኽተመ
ህጻን ኣለማየሁ፡ ብሓልዮት ንግስቲ ቪክቶርያ ይእለ ምንባሩን ኣብ 18 ዓመቱ ብሕማም ምሟቱን መዛግብቲ ታሪኽ የመልክቱ።
ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ስድርኡ ሬሳኡ ናብ ዓዱ ክምለስ ድሌት ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
"መስፍን ኣለማየሁ ኣብ ሓመድ ብሪጣንያ ክቕበር ቅኑዕ ኣይኮነን፥ ሓመድ ዓዱ ክለብስ ኢና ንደሊ” ክብል ካብ ወለዶ ንጒስ
ቴድሮስ ዝኾነ ፋሲል ሚናስ ን ሬድዮ ቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ግና ባኪንሃም ፓላስ ነዚ ሕቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፥ “ሬሳ ኣለማየሁ ካብ ዝዓረፈሉ ምውጻእ ንኻልኦት ኣብቲ
ጒርጒሓት መቓብር ዝዓረፉ እውን ዝጸሉ ብምዃኑ ነዚ ክፍጽም ከም ዘይክእል፥ ብምግላጽ ነጺግዎ’ሎ።
ኣብ 19 ክ/ዘመን መንግስትነቱ ከደልድል ዓብዪ ባህጊ ዝነበሮ ንጉስ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ናብ ንግስቲ ቪክቶርያ ብርከት ዝበላ
ደብዳበታት እኳ እንተለኣኸ መልሲ ብዘይምርካቡ፡ ብቚጥዐ ብዙሓት እንግሊዛውያን ዝርከብዎም ኣውሮጳውያን ኣብ ማእከላይ
ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ እምባ መቕደላ ኣሲሩ ኔሩ እዩ። እዚ ድማ ን ወፍሪ ናፕዬር ምኽንያት ምዃኑ ናይ ሽዑ ጸብጻባት ታሪኽ
የመልክቱ። በቲ ወፍሪ ሰራዊት ቴዎድሮስ ዳግማዊ ተሳዒሩ፡ እቲ ንጉስ ነፍሰ-ቕትለት ምፍጻሙን ወዱ መስፍን ኣለማየሁ ምስቲ
ወፍሩ ብዓወት ዛዚሙ ን ብሪጣንያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት ናብ ላንደን ምእታዉን ሬድዮ ቢቢሲ ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com