Friday , June 14 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ቤት ፍርዲ ንሓደ ኮተቴ ብገበን ቕትለት ፈሪድዎ።

ዓሚ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ማልም፥ መራሒ ጒሒላታት ተባሂሉ ንዝተገልጸ መንእሰይ ቀቲልካ ተባሂሉ ብጠርጠራ ተታሒዙ ዝነበረ
ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ፥ በቲ ተግባር ገበነኛ ኮይኑ ከም እተረኽበ ተፈሊጡ። እቲ ኣብቲ እዋን ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ኮተቴ ዓሚ
ነሓሰ፥ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኤምፖርያ ድሕሪ ዝፈነዎ ናይ ኣልማማ ተዂሲ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት መገዲ ብኸቢድ
ምቚሳላ ይፍለጥ። እታ ሰበይቲ ካብ ሞት እኳ እንተደሓነት እቲ 31 ዝዕድሜኡ መራሒ ጒጅለታ ትገበን ግና በቲ ዝወረዶ ከቢድ
መቚሰልቲ ምሟቱ ይፍለጥ። ቤት ፍርዲ ማልም በዚ ቅትለት፥ ፈተነ ቅትለትን ዘይሕጋዊ ውነና ብረትን፡ እንተነውሐ ንኣርባዕተ
ዓመት ኣብ ውሑስ ክንክን መንእሰያት ክጸንሕ ፈሪድዎ’ሎ። ኣብቲ ገበን ተሓባቢሮም ዝተባህሉ ካልእዕት ሸውዓተ ሰባት ኣብ
ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
እቲ ኮተቴ ነቲ ቅትለት ምፍጻሙ ተኣሚኑ’ሎ።

 

Credit: Johan Nilsson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com