Wednesday , March 22 2023

ቤት ፍርዲ ኡፕሳላ ንዋንነት ሜታል ጠፈር ኣመልኪቱ ብይኑ ሂቡ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ሰማይ ዝወደቓ ክልተ ሜታል ጠፈር (ሜቶር) በቶም ዝረኸብወን ክውነና ቤት ፍርዲ ኡፕሳላ ብሰሉስ ብይኑ ኣመሓላሊፉ። እቶም ሰባት ነዚ ሜታል ጠፈር ጥቓ ኤንሺፒን ብግሊ ኣብ ዝውነን ጫካ ኣብ ባይታ ወዲቑ ከም ዝረኸብዎ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እቲ ሜታል ጠፈር ንመሬት ቅድሚ ምውዳቑ ሰማይ ንገለ ኣዋርሕ በቲ ሓዋይ ቀለሙ በርሃው ኢሉ ምንባሩ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ወናኒ እቲ ጫካ ነዚ 14 ኪሎግራም ዝኽብደቱ ጠፈራዊ ሜታል ንምውናን ሕጋዊ ምጒቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com