ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ሰማይ ዝወደቓ ክልተ ሜታል ጠፈር (ሜቶር) በቶም ዝረኸብወን ክውነና ቤት ፍርዲ ኡፕሳላ ብሰሉስ ብይኑ ኣመሓላሊፉ። እቶም ሰባት ነዚ ሜታል ጠፈር ጥቓ ኤንሺፒን ብግሊ ኣብ ዝውነን ጫካ ኣብ ባይታ ወዲቑ ከም ዝረኸብዎ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እቲ ሜታል ጠፈር ንመሬት ቅድሚ ምውዳቑ ሰማይ ንገለ ኣዋርሕ በቲ ሓዋይ ቀለሙ በርሃው ኢሉ ምንባሩ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ወናኒ እቲ ጫካ ነዚ 14 ኪሎግራም ዝኽብደቱ ጠፈራዊ ሜታል ንምውናን ሕጋዊ ምጒቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።