Breaking News
FI warns against fraudsters who claim to be calling from the authority. Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝድውሉ መታለልቲ

መታለልቲ፡ ፡ ከም ኣባላት በዓል መዚ ቁጠባዊ ቁጽጽር ሽወደን ኮይኖም ይድውሉ ምህላዎም እቲ በዓል መዚ (FI) ገሊጹ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብስልኪ ቁጽሪ 070-3004732 ዝድወል፡ ግጉይ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም መታለልቲ፡ ብቛንቋ ሽወደን ዝዛረቡ ኮይኖም፡ ስሞም ብምጥቃስ ንዓማዊል ዝራኸቡ ኮይኖም፡ ንዝኸሰርዎ ገንዘብ፡ ኣብ ቢትኮይን (bitcoin) ብምውፋር ክመልስዎ ከምዝኽእሉ ዝሕብሩ እዮም።

ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ዝርከቡ ዓማዊል፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ባንክ ሓበሬታ ክህቡ ከምዘይብሎም እቲ በዓል መዚ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። ከም ኣብነት ክግለጽ ዝኽእል ድማ፡ ባንክ ኣይዲ (bank ID) እዩ።