Sunday , June 16 2024
Credit: Supplied, Janerik Henriksson/TT

“ብርሕቀት ዝወሃብ ኮርስ ቋንቋ ሸወደን መጥፍኢ ግዜ እዩ”–ሓደ ተመሃራይ።

ብርሕቀት ዝወሃብ ኮርስ ቋንቋ ሽወደን ካብቲ ኣብ ክላስ ዝወሃብ ኣዝዩ ዝኸበደ ብምዃኑ “መጥፍኢ ግዜ እዩ” ክብል ኣብ
ሽወደን ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ደሴት ገርንሰይ እተቕመጠ ከቪን ለ ክራስ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ክላስ ኣብ ዝወሃብ ዝነበረ ኮርስ ይብዛሕ
ይውሓድ ገለ ይመሃር ምንባሩ፥ ካብዚ ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ዝኾነ ረብሓ ይረክብ ዘይምህላዉ ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ኮርስ ቋንቋ ሽወደን ብርሕቀት ምሃብ ከም ንቡር ይቕበላኦ ምህላወን፡ ኣስታት 17 %
ካብ ተመሃሮ ስደተኛታት ኸኣ በዚ ኣገባብ ይመሃሩ ምህላዎም፥ ሬድዮ ሽወደን ካብ ቫርምላንድ ዘካየደቶ ዳህሳስ የመልክት። እዚ
ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብምኽንያት ስራሕን ጒዳያት ስድራን ዝወሓደ ግዜ ንዘለዎም ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑ ዝጠቐሰ ከቪን፡ “ኣብ
ናይ ክላስ ኮርስ ብውሕዱ ካብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መምህር እንታይ ክብል ከም ዝደለየ ገለ ትሕዝ ኢኻ፡ እዚ ናይ ርሕቀት
ትምህርቲ ግና ዝተፈልየ እዩ” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዳርላና፥ ብርሕቀት ኮርስ ቋንቋ ሽወደን ዝወስድ ዘሎ ፓኪስታናዊ ሞሕሶን ኣል-ሑሴን ግና ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። እዚ
ኣገባብ ኣማህራ ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ስራሕ ኣብ ናይ ሻሂ ሰዓታት መባእታዊ ዝርርብ ምግባር
ከም እተለማመደ፡ እንተኾነ ግና ምልከት ቋንቋኡ ካብዚ ዘለዎ ዝሓሸ ክገብር ድሌት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com