Friday , June 14 2024
People work at the site of the Sphinx and the Giza Pyramids, in Giza, Egypt, Wednesday, March 25, 2020. The new coronavirus causes mild or moderate symptoms for most people, but for some, especially older adults and people with existing health problems, it can cause more severe illness or death. (AP Photo/Nariman El-Mofty) Sfinxen

ተረፍ ኣርባዕተ ዝመሓውሩ ጥንታዊ ዓሳ ነባሪ ተረኺቡ

ኣብ ግብጺ ዝመደብሮም ተመራመርቲ: ቅድሚ 43 ሚልዮን ዓመታት ይነብር ዝነበረ ኣርባዕተ ዝመሓውሩ ዓሳ ነባሪ ምርካቦም ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ተረፍ ዓሌት Phiomicetus: ኣብ ምዕራባዊ ምድረበዳ ግብጺ እዩ ተረኺቡ። እዚ ዝተረኽበ ሽክና ን ተዂላ ከም ዝመስል እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም።

ዘመናውያን ነበርቲ ዓሳ ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎም ዓጋዜን ዝመስሉ ጥንታውያን ዓሌታት ብፍልቀት (Evolution) ከም ዝማዕበሉ ተመራመርቲ ይገልጹ።

እዚ 600 ኪሎን ኣስታት 3 ሜትሮን ዝዓቐኑ ጥንታዊ ኣባሓጎ ዓሳ ነባሪ ብርቱዕ ናይ ምንኻስ ሓይሊ ዘለዎ ኣስናን ከም ዝውንን Royal Society B ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት። እዚ ዓሌት ብፍላይ ኣብ መሬት ብኣርባዕቲኡ መሓውሩ ዝንቅሳቐስ ኣብ ባሕሪ ከኣ ጽቡቕ ናይ ምሕንባስ ክእለት ዘለዎ ኣምፊብያን እዩ ኔሩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ምድረበዳዊ ለጠቕታ ፈዩም ዝተረኽበ እዚ ኣዕጽምቲ ብ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ መንሱራ ተወሳኺ መጽናዕቲ ይካየደሉ ኣሎ። ለጠቕታ ፈዩም ሕጂ ምድረበዳ እኳ እንተኾነ ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ብባሕሪ እተሸፈነ ምንባሩ ተመራመርቲ ስነ ምድሪ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com