ሰለስተ ሚእታዊት እኹላት ዕድመ ህዝቢ ሽወደን ዓመታዊ ደም ከም ዝልግሱ ይፍለጥ።
ብኣንጻሩ ክሳብ ዝሓለፈ ረቡዕ ግና ትሑት ኣፍልጦ ቋንቋ ሽወደን ዘለዎም እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ስደተኛታት ብምኽንያት ውሕስነት ደም ንምልጋስ ብቑዓት ኣይኰኑን ይበሃሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
እዚ ክቕየር እዩ ይበሃል ኣሎ።

Dave Russell/Radio Sweden Ekot
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ማእከላት ደም ሽወደን ዝኾነ ትካል ረቡዕ ረቡዕ ናይ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ለገስቲ ደም ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓካይም ብዘይጸገም ናይ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ለገስቲ ደም መታን ክቕበሉ ናይ እንግሊዝኛ ስልጠና ክወሃቡ ምዃኖም ተገሊጹ’ሎ።
እቶም ዘድልዩ ሰነዳት ምልጋስ ደም ድማ ካብ ሽወደንኛ ናብ እንግሊዝኛ ከም ዝተርጐሙ ተጌሩ”ሎ።.