ቱርክ ዝርዝር ናይቶም ካብ ሽወደን ተሰጒጎም ክስትለሙ እትደልዮም ሰባት ኣውጺኣ። እዚ ዝርዝር ኣስማት ኣብታ ምስ ፕረሲደንት ዔርዶጋን ቅርበት ዘለዋ ጋዜጣ ቱርክ ተሓቲሙ ከም ዝወጸ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኣቐዲሙ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን ዝግለጽ ዝነበረ ዝርዝር ስም ተደለይቲ 33 እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ጋዜጣ ቱርክ ግና 42 ኣስማት ተረቚሖም ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ።
ሽወደን ከተስተልሞም ካብ ዝድለዩ ዘለዉ ሰባት ሓደ ሓምዛ ያልሲን እዩ። ንሱ “ውሕስነት ይስመዓኒ የለን፡ ሽወደን መስርሕ ኣባልነት ኔቶ ካብ እትጅምር ንደሓር ኲሉ ነገር ብሓንሳብ እዩ ተቐዪሩ” ክብል ዘለዎ ስግኣት ንሬድዮ ሽወደን ኣካፊሉ’ሎ።