Tuesday , July 16 2024

ታንዛንያ፡ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ሸይማ

ምክትል ፕረሲደንት ታንዛንያ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት፡ ሳምያ ሱሉሑ ሓሰን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይና ቃለ ማሕላ ክትፍጽም እያ።

ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ብረቡዕ ድሕሪ ምሟቱ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ ዘላ ታንዛንያ፡ ሎሚ ሰዓት 7 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ከተማ ዳር’ሰላም እዚ ጽንብል ቃለማሕላ ክትፍጽም እያ ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ሓሰን ዓባስ ገሊጹ ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ብሞት ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ካብ መዝነቱ ምስ ዝእለ፡ ክሳብ ግዜ ናይቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ዝውዳእ (ክሳብ ናይ ዝቕጽል ምርጫ እዋን) ምክትል ፕረዚደንት እዩ ነቲ ቦታ ዝርከቦ። በዚ ድማ እታ ካብ ምምሕዳር ዛንዚባር እትውለድ ሳምያ ሱሉሑ ሓሰን፡ ፈላሚት ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት እዛ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን በቒዓ ዘላ።

ሳምያ፡ ኣብ ታሪኽ ታንዛንያ፡ ሻድሸይቲ ፕረዚደንት ኮይና፡ ካልኣይቲ ነዚ መዝነት ዝበቕዐት ተወላዲት ዛንዚባር እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com