Sunday , June 16 2024
Another Tanzanian newspaper is being stopped under the rule of the relatively new President Samia Suluhu Hassan. (AP Photo) NAI107

ታንዛንያ፡ ካልኣይቲ ጋዜጣ ኣጊዳ

መንግስቲ ታንዛንያ፡ ነተን ናይ ዘይዕጉባት ዜጋታት ድምጺ ዘመሓላልፋ ንዝበለን ጋዜጣታት  ንምዕጻው ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ብምቕጻል፡ ንካልአይቲ ጋዜጣ ካብ ሕትመት ኣጊዱ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሰሙናዊት ጋዜጣ፡ ራያ ምዌማ (raia Mwema)፡ ብቐጻሊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምፍናውን ኮነ ኢላ ብምንቕቓሕን እያ፡ ን 30 መዓልታት ተኣጊዳ ዘላ ክብል ወሃብ ቃል መንግስቲ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ብሃገራዊ ሰውራዊ ሰልፊ (CCM) እትውነን ጋዜጣ ኡሁሩ (Uhuru)፡ ተመሳሳሊ እገዳ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ፕረሲደንት ሳምያ ሱሉሕ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክትሳተፍ ሓሳብ ከምዘይብላ ዝብል ጽሑፍ ሒዛ ብምውጽኣ እያ እታ ጋዜጣ ተኣጊዳ።

ሳምያ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ፕረሲደንታዊ ማሕላ ፈጺማ። ንሳ፡ ፕረሲደንት ጆን ማጉፉሊ፡ ምስ ሞተ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኣ፡ ኣብታ ሃገር፡ ዲሞክራስያዊ ምዕባለታት ከተታኣታቱ ከምዝኾነት ቃል ኣትያ ኔራ እያ። እንተኾነ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ንደሓር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጸብጻባት የመልክቱ። ንኣብነት መራሒ ዝዓበየ ተወዳዳሪ ሰልፊ እታ ሃገር ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትወ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com