Sunday , June 16 2024
Former U.S. President Donald Trump's daughter Ivanka Trump and son Donald Trump junior have been called to testify in an investigation into suspected fraud by the family's Trump Organization group (AP Photo/Evan Vucci) GABA310

ትራምፕን ክልተ ደቁን፡ ንምስክርነት ተጸዊዖም

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕን ጓሉ ኢቫንካ ትራምፕን ቦኽሪ ወዱ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየርን፡ ብምትላል ንዝጥርጠር ትካል ስድራቤት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዝግበር ዘሎ መርመራ ቀሪቦም ክምስክሩ መጸዋዕታ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ መጸዋዕታ፡ ብሓላፊት ክፍሊ ፍትሒ ኒው ዮርክ ዝኾነት፡ ሌቲሽያ ጀምስ፡ ከምዝተኣዘዘ ተፈሊጡ’ሎ።
ዝርዝር ናይዚ ሓበሬታ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡ ሰነዳት ዝተጻሕፉ ኮይኑ፡ ሌቲሽያ ጀምስ፡ “ምስ መርመራ ገምጋም ንብረት ብዝተተሓሓዘ” ኣባላት ስድራቤት ናይ ትራምፕ ንዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ እቶም ብትራምፕን እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካሉን ዝውነኑ ንብረታት፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩ መጸዋዕታ ከምዝገበረትሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ስድራ ቤት ትራምፕ፡ ነዚ ናይ ምስክርነት መጸዋዕታ ክስረዘሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ከምዘሎ ተገሉጹ’ሎ።
ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካሉ ኣነጻጺሩ ዘሎ መርመራ ንምቁራጽ ብምሕሳብ ኣንጻር፡ ሌቲሽያ ጀምስ፡ ክሲ መስሪቱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ዝተመስረተ ክሲ፡ እቲ መርመራ “ንዓይን ንመሻርኽተይን ብስውር ንምጉዳእ ዝተወጠነ ዘይረብሕ ክሲ እዩ” ብምባል እቲ መርመራ፡ ንቅዋማዊ መሰላቱ ዝግህስ ክምዝኾነ ዘርእይ ሞጎት ሒዙ ከምዘቕረበ ተገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com