Sunday , June 16 2024
Chinese Embassy, in London, (AP Photo/Matt Dunham) LMD111

ቻይና፡ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ፡ ኢደይ ኣየእተኹን ትብል

መደበር ስለያ ብሪጣንያ MI5፡ ቻይናዊ ሰላይ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ምእታዉ ድሕሪ ምቅላዑ፥ ቻይና ነዚ ጒዳይ ኣይወዓልክዎን ክትብል ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ።

ክሪስቲን ቾንግ ኲዎ ሊ፡ ንዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ምስ ኣባላት ባይቶን ኣባላት ክኾኑ ዝትስፈዉን ሰባት ርክባት ፈጢሩ ምህላዉ እቲ ኣገልግሎት ስለያ ገሊጹ’ሎ። ድሕሪ’ዚ፡ ንፖለቲከኛታት እንተላይ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ፡ ባሪ ጋርዲነር፡ ክሳብ 420 ሽሕ ፓውንድ ዝኸውን ገንዘብ ምሃባ ወሲኹ ገሊጹ።

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ለንደን ብወገኑ፡ እቲ ትካል ስለያ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ማሕብረሰብ ተቐማጦ ብሪጣንያ ምጽላም ስምን ምፍርራህን የካይድ ምህላዉ ብምጥቃስ ከሲስዎ’ሎ።

ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይ ሃገራት ዘይምእታው ብጽኑዕ እትኽተሎ መትከል እዩ፥ ኣባላት ባይቶ ሃገራት ናይ ምግዛእ ባህሊ የብልናን” ክብል መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ግብረ መልሲ ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com