Sunday , June 16 2024
Taliban co-founder Mullah Abdul Ghani Baradar, left, and Chinese Foreign Minister Wang Yi (Li Ran/Xinhua via AP) XIN802

ቻይና ምስ ጉጅለ ጣሊባን ዝምድና ክትምስርት ከም እትደሊ ትገልጽ

ሃገረ ቻይና፡ ምስ ኣፍጋኒስታን ዘለዋ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ከተዕሙቕ ከም እትደሊ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ቤይጂንግ፡ ሁዋ ቹንዪንግ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ንሱ፡ ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቊጽጻሮም እዩ ከምዚ ዝበለ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ። ጣሊባን እውን ምስ ቻይና ጽቡቕ ዝምድና ከማዕብሉን ኣብ ዳግመ ህንጻ ኣፍጋኒስታን ንጡፍ ተሳትፎ ቻይና ኽህሉ ከም ዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ ክብል እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ኣቃሊሑ።

ቻይና፡ ነዚ ውሳኔ፡ ብሓጎስ እያ ትቅበሎ። ኣፍጋኒስታናውያን ብዝደለይዎ ክምርሑ መሰሎም እዩ። ንሕና ኣብዚ ኢድና ኣይነእቱን ኢና ክብል ምስ AFP ኣብ ዝገበሮ ቃልመሕትት፡ ቹንዩንግ፡ ገሊጹ።

ቻይና፡ ዘይከም ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ካቡል ዘሎ ኤምባሲኣ ከም ዘይተልዕሎ ገሊጻ’ላ። ቻይና ብመሰረት እቲ እተስፍሖ ዘላ ግዚፍ መዋቕር Silk Road ናብ ጐረባብታ ሃገራት ገዚፍ ወፍሪ ትሕተ ቕርጺ ክትገብር ከም እትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።

ቻይናን ኣፍጋኒስታንን ብ 80 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ዶብ ከም ዝራኸባ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com