Saturday , December 3 2022
Ulf Palm/TT

ነበርቲ ፋሉን (Falun) ናይ ወረዳ ምርጫ ዳግም ከካይዱ እዮም።

ኣብ ሽወደን ሃገራዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ’ሎ።

ይኹን’ምበር ሰብ Falun ሰንበት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ሳንዱቕ ካርድ ብምጥፍኣ ዳግማይ ናብ መምረጺ ነቚጣ ክኸዱ እዮም።

እዚ ዝግበር ናይ ወረዳ ምርጫ እኳ እንተኾነ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሰልፊታት ሽወደን ነቲ ምርጫ ናብኣተን ክጠውያኦ ብምሕሳብ ነታ ምምሕዳር በጺሐናኣ ኣለዋ።

“Falun ዳርጋ ንእሽቶ ሽወደን እያ። ኣብዚ ዝግበር ምርጫ ምስ ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ግርም ጌሩ እዩ ዝሳነ” ይብል ኣብ መደበር Dalarna ሪፖርተር ሬድዮ ሽወደን Martin Eriksson።