Friday , December 8 2023

ኑክሌራዊ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ን30 ዓመታት ዘገልገለ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን እተገብረ ናይ ኑክሌራዊ ውዕል ከፍርሶ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

– ሩስያ ነቲ ውዕል ንብዙሕ ዓመታት ስለ ዘፍረሰቶ፡ ንሕና ሕጂ ነቲ ውዕል ደው ነብሎ ኣሎና፡ ይብል ዶናልድ ትራምፕ።

ውዕል ኑክሌራዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ጎርባቸቭን ሪጋንን ብ 1987 እዩ ተፈሪሙ። ካብ 2014 ጀሚሩ ምምሕዳር ኦባማ ናይ ሩስያ ቀጻሊ ምፍራስ ውዕል ተዓዚቡ፡ ግን ኣብቲ ውዕል ኪጸንሕ መሪጹ።

ትራምፕ ነዚ ሓድሽ ሓበሬታ ዝሃበ፡ እቲ ናይ ጸጥታ ኣማኻሪኡ፡ ጆን ቦልቶን፡ ኣብ መንጎ ትራምፕን ፑቲንን ኣኼባ ንምድላው ናብ ሞስኮ ምስ ከደ እዩ።

ናይቲ ኣኼባ ዕለት ገና ኣይተነጸረን፡ ግን እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ዘሎ ዝምድና በቲ ናይ ሩስያ ኣብቲ ምርጫ ኣመሪካ ጣልቃ ምእታው ምኽንያት ኣብ ወጥሪ እዩ ዘሎ።

እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘገልግለ ውዕል ነቲ ዝሑል ኵናት ደው ኣቢሉዎ ነይሩ፡ ሕጂ ግን እቲ ውዕል እንተ ፈሪሱ፡ ሓድሽ ናይ ውግእ መሳርያ ቅድድም ኪህሉ እዩ፡ ቻይናውን ኣብዚ ቅድድምዚ ክትኣቱ እያ፡ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com