Tuesday , June 25 2024
New Zealand Associate Health Minister Dr. Ayesha Verrall (AP Photo/Nick Perry) XNP101

ኒውዚላንድ . . . ንዝመጽእ ወለዶ፡ መሸጣ ትምባኾ ክትእግድ መደብ ሒዛ

ኒውዚላንድ፡ ዝመጽእ ወለዶ፡ ካብ ትምባኾ ናጻ ክኸውን ብምባል፡ መሸጣ ናይዚ ባእታ፡ ብሕጊ ክትእግድ ምዃና ገሊጻ።
ብመሰረት እዚ፡ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ትግባረ ዝውዕል ሕጊ፡ ካብ 2008 ንደሓር ዝተወልዱ፡ ኣብ ህይወቶም ሽጋራ ይዂን ካልእ ፍርያት ትምባኾ ኣይክጥቀሙን እዮም። “መንእሰያት፡ ምትካኽ ሽጋራ ከይጅምሩ ክንሰርሕ ኢና” ክትብል ሚኒስተር ጥዕና፡ ዶክተር ኣየሻ ቨራል፡ ገሊጻ’ላ። እዚ ኣካል ናይቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኒውዚላንድ፡ እተኣወጀ ሓፈሻዊ እገዳ ትምባኾ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዶክተራትን ካልኦት ክኢላታት ሕግን፡ ነዚ ኒኮቲን ክጎድል ዝገብር ሕጋዊ ጽገናታት ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ገሊጾም ኣለዉ። ሰባት፡ ጎዳእቲ ባእታታት ክገድፉ ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ካብ ወልፊ ኒኮቲን ክዕቀቡ ዝገብር እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ” ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦታጎ መምህር ዝኾነት፡ ፕሮፌሰር ያኔት ሁክ፡ ትገልጽ።
ነዚ እገዳ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ይወሃቦ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ እዚ ሕጊ ናይ ትምባኾ ጸሊም ዕዳጋ ብምፍጣር ሓደገኛ ጒጅለታት ንኽፈርዩ ምኽንያት ክኸውን ይኽእልዩ ክብሉ፡ ገለ ወገናት ስክፍተኦም ገሊጾም ኣለዉ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com