Sunday , June 16 2024
New York Gov. Kathy Hochul speaks to reporters after a ceremonial swearing-in ceremony at the state Capitol, Tuesday, Aug. 24, 2021, in Albany, N.Y. (AP Photo/Hans Pennink) NYHP107

ኒው ዮርክ፣ ንመጀመርታ ግዜኣ ጓለንስተይቲ ኣመሓዳሪት ረኺባ።

 ስቴት ኒው ዮርክ ንመጀመርታ ግዜ ብ ጓለንስተይቲ ትምራሕ ምህላዋ ተገሊጹ። ሎሚ ሰሉስ ካቲ ሆሹል መበል 57 ኣመሓዳሪት እታ ስቴት ንምዃን ቃለ መሓላ ፈጺማ’ላ። ሆሹል ነቲ ብጾታዊ ቅለት ተኸሲሱ ስልጣኑ ብፍቓዱ ዝሓደገ ኣንድሩ ኩዎሞ ተኪኣ እያ ስልጣን ኣመሓዳርነት ተረኪባ ዘላ። ኣብ 11 ነሓሰ ብዝተገብረ ናጻ መርመራ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ኣንድሩ ጾታዊ ምትንኻይ ከም ዝፈጸመለን ምኽሳሰን ተፈሊጡ። ሆሹል ኣብ ቡፋሎ እያ ተወሊዳ። ብ ሞያ ናይ ሕጊ ክኢላ ዝኾነት ሆሹል ኣብ ዓመታት 2011ን 2013ን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ኣገልጊላ እያ። ሕጂ ኣመሓዳሪት ስቴት ኒው ዮርክ ኮይና ዘላ ሆሹል ጒዳይ ለበዳ ኮሮና፥ ቊጠባን ካልእን ብድሆታት ከም ዝጽበይዋ ጋዜጣ New York ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com